Friday, November 27, 2020

21ኛ ክፍለ ጦር ዝተውሃቦ ልኡኽ እናተዓወተ ናብ መቐለ እናገስገሰ ይርከብ” ምክትል አዛዚ 21ኛ ክፍለጦር ኮነሬል መኳንንት ሲሳይ

“21ኛ ክፍለ ጦር ዝተውሃቦ ልኡኽ እናተዓወተ ናብ መቐለ እናገስገሰ ይርከብ” ምክትል አዛዚ 21ኛ ክፍለጦር ኮነሬል መኳንንት ሲሳይ 
*********************************
(ኢፕድ) 

21ኛ ክፍለ ጦር ዝተውሃቦ ልኡኽ እናፈጸመን እናተዓወተን ናብ መቐለ እናገስገሰ ይርከብ ክብል ምክትል አዛዚ 21ኛ ክፍለጦር ኮነሬል መኳንንት ሲሳይ ገሊጾም። 

እቶም ኮነሬል ትማሊ ኣፍቲ ከባቢ ንዝርከቡ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ከምዝገለጽዎ፣ 21ኛ ክፍለ ጦር ኣሸባሪ ዕጡቓት ህወሓት ዝተመክሕሉ ሰለስተ ወሳኒ ምሽግ ሰይሩ፣ ከቢድ መሳርሒ ኣጥፊኡ ብእግሪ እናተኸተለ ኣብ ልዕሊ ጁንታ ህወሓት ከቢድ ሰብኣውን ቁሳውን ኪሳራ ኣብፂሑ። 

ዕጡቓት እቲ ጁንታ 21ኛ ክፍከጦር ብጅግንነት ዝፈልጥዎ ብምኳነ ኣብ ቅድሚኡ ኮይኖም ኣይዋግኡን ዝነሉ እቶም ኮነሬል፣ ዕጡቓት እቲ ጁንታ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ብበዝሒ ንመከለኸሊ ሓይሊ ኢዶም እናሃቡ ይርከቡ፤ ጁንታ ህወሓት ናይቶም ዕጡቓቱ ተስዓራይነት ስነ ልቦና ንምምላስ ክብል 21ኛ ክፍለጦር ጉድኣት ኣብጺሐ እናበለ ፕሮፖጋንዳ ይሰርሕ ኣሎ። 

21ኛ ክፍለጦር ኣብ ልዕሊ ዓዎት ዓዎት እናደረበ ወንኡን ሞራሉን እናወሰኸ ንቕድሚት ኣብ ምግስጋስ ይርከብ ዝበሉ ኮሎኔል መኳንን፣ ንመጻኢ ዝወሃቡና  ልእኽቶ ብዓዎት ንምውጻእ ኣብ ሙሉእ ኣቋምን ድልውነትም ከምዝርከቡ ገሊጾም። 

ካብ መግለጺታት ጁንታ ህወሓት እቲ ሓደ ሕሶት እዩ ዝበሉ እቶም ምክትል ኣዛዚ፣ ዓላማ እዚ ኦፕሬሽን እዚ ሓሳዊ፣ ስሱዕን ሰራቒ ጉጅለ ንፍርዲ ምቕራብ እዩ ኢሎም።

No comments:

Post a Comment